ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝነበሩ ሰባት፡ ዘለዉን ጽባሕ ድማ ዝነበሩን ካብ ዘጨንቖም ሓደ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ጽባሕ እዩ፡፡ ጽባሕ ማለት ድሕሪ’ዛ ዘለናያ መዓልቲ ኮይና፡ ንኹለን እንጽበየን መዓትታት ሓዚላ፡ እታ ናይ መጀመርታ ናይ መጻኢና መዓልቲ ኢያ፡፡ ዘይነበርናሉ መዓልትታት ህይወትና ክንደይ ምዃኑን መኣዝ ከም ዝውዳእን እዃ እንተዘይፈለጥና ብጽባሕ ከም ዝጅመር ግና ንፈልጥ ኢና፡፡
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጣሪ ሰማያትን ምድሪን፡ ብስጋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ኲሉ ገዲፎም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ዝሃቦም ትምህርቲ ደጋጊሙ ብምስላ ናብራ ኣዕዋፍን፡ ሳዕሪ መሮርን ብዛዕባ መጻኢ ከይጭነቑ ምስ መሃሮም፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብግሉጽ ቃላት ከምዚ ኢልዎም፡-
ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ ማቴ 6፡34
ጐይታ ጽባሕ ባዕሉ ፈጣሪ ጽባሕ እዩ። ንጽባሕ ዝፈጠረ ብዛዕባ ጽባሕ ሓላፍነት ዝወስድ ንሱ እዩ፡፡ ጽባሕ ናይ ዋላ ሓደ ኣይኮነትን። ናይ ፓለትከኛታት ኣይኮነትን። ናይ ተፈላሰፍቲ ኣይኮነትን፡ ናይ መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ኣይኮነትን። ጽባሕ ናይ እግዚኣብሄር ኢያ።
ክቡራት ኣሕዋት ጽባሕ እንታይ ሒዛ ከም እትመጽእ ዝፈልጥ ወላ ሓደዃ የልቦን። ነቲ ብሓይሉ መን ኣሎ ከማይ ዝብል። ነቲ ምስክን ኣነ ደኣ መን ኣሎኒ ዝብል፡ ነቲ ንሓዋሩ ኣብ ዝፋን ስልጣኑ መሲልዎ ዝነበር፡ ነቲ ሃብቱን ገንዘቡን ተኣሚኑ ልቡ ዘትርር፡ ነቲ ድራር ዕለት ክደሊ ባሕሪን ጣሕሪን ዝሰግር፡፡ ጽባሕ ንኹሎም ማዕረ ኢያ።
እሞ ኣብ መከራን ጸበባን ዘለኹም ኣሕዋት ኣጆኹም ጽባሕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ኢያ። ኣንቱም ብምድራዊን ሓላፍን በራሲን ጠፋእን ነገር እትእመኑ፡ ጽባሕ ኣይናትኩምን ኢያ። ጽባሕ ናይ እግዚኣብሄር ኢያ። ናብኡ ጥራሕ ተጸጊዑ። ነዛ ሎሚ ተወሂባትኩም ዘላ መዓልቲ ድማ ብቅንዕና ንበሩ፡ ብሓቂ ፍረዱ፡ ቅዱስ ግብሪ ይሃልኹም። ጽባሕ ትወልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም።

ብፓስተር ተስፎም ዝተዳለወ



Leave a comment